ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መበል 25 ዓመቱ ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ፓናል የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መበል 25 ዓመቱ ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ፓናል ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ኦፕሬሽን ኣይተ ሰጠኝ እንግዳው ከመዝበልዎ፥ እቲ መድረኽ ዘተ ጉዕዞን ኣበርክቶን እቲ ትካል ብምድህሳስ ዝሓለፉ ጥንካረታቱ ከምመበገሲ ብምጥቃም ዝሓሸን ተወዳዳሪን ንክኸውንን ሃገራዊ ልኡኹ ንክዋፃእን ንምግባር ኢዩ።

ስለዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ዘተ “ፋና ካበይ ናበይ” ከምኡውን “ግደ ሚዲያ ኣብ ምስረታ ሃገረ መንግስቲን ብሄረ መንግስቲን” ኣብ ዝብሉ ክልተ ርእስታት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብምቕራብ ዘተ ክግበር ኢዩ።

ኣብ ከይዲ ህንፀት ምስረታ ሃገረ መንግስቲን ብሄረ መንግስቲን ዝህሉ ጠንካራን ደካማን ጎድኒ ሚዲያ ብምግምጋም ኣብ ቀፃሊ እታዎት ዝኸውን ሓሳብ ክቐርብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ክልተ ርእስታት መፅናዕታዊ ፅሑፍ

ኣብቲ መድረኽ ፓናል፥ ምሁራን፣ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ሓለፍቲ ትካላት ሚዲያ፣ መናእሰይ፣ ተወከልቲ ማሕበራት ሙያን ካልኦት ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፌዴሪኢን ኣካቢ ቦርድ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፥ 60 ዓመታት ኣብ ዘቑፅር ዘሎ ታሪኽ ሚዲያ ኢትዮጵያ 25 ዓመት ዘኽብር ዘሎ ፋና ኣብ ታሪኽ ሚዲያ እዛ ሃገር መርኣያ ለውጢ ምዕባለ ኮይኑ ምቕራብ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ጉዕዞ 25 ዓመታት ፋና ምርኣይ ማለት ጉዕዞ ጥንካረን ድኽመትም ሚዲያ 25 ዓመታት ኢትዮጵያ  ምርኣይ ማለት ኢዩ እውን ኢሎም።

ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፥ ፋና ኣማራፂ ኣብ ዘይነበሮ እዋን ኣማራፂ ኮይኑ ብምቕራብን ተመራፅን ተወዳዳሪን ብምዃንን ን25 ዓመታት ምዝላቑ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment