ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ስራሕቲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ብሓባር ንምስራሕ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣድማሱ ዳምጠው ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሰነድ ስምምዕት ብወገን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝሳለጡ ግልጋሎታ ምምሃር ምስትምሃር፣ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን፣ ስራሕቲ ልምዓት ማሕበረሰብ ሓቆፍ ትኹረት ዝገብር ኢዩ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ብፋና ዲጂታል ሚዲያ፣ ፋና ቴሌቪዥንን ፋና ሬዲዮ ተሰናዲኦም ከምዝፍነዉ ክስራሕ ኢዩ፡፡

ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ “እቲ ዩኒቨርሲቲ ራስ ገዝ ብምዃን ኣብ ዝተወደበሉ እዋን ብዙሓት ሓሳባትን ፍልጠታትን ምስ ዝንሸራሸሩሉ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስራሕ ዓብዪ ምዕራፍ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ብምዃኑ በቲ ዩኒቨርሲቲ ዝወሃቡ ጋዜጣዊ መግለፂታት፣ ስራሕቲ ምርምር፣ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ግልጋሎታት ከምኡ እውን መርሃ ግብሪታት ምረቐ ተምሃሮን ካልኦት ጉዳያትን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝስርሑ ኣፍሊጦም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝሽፍኖም ስራሕቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ በገንዘብ ክድግፍ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝህቦም ዕድላት ትምሀርቲ ብልውውጥ ግልጋሎት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዘቕርብ ተሓቢሩ፡፡

ብቅድስት ተስፋዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment