ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣካዳሚ ኣመራርሓ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣካዳሚ ኣመራርሓ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሞም።

ክልቲኦም ትካላት ብመሰረት ዝገበርዎ ስምምዕነት ኣብ ህንፀት ዓቕሚን ሽግግር ፍልጠትን ምስራሕ ዝኽእሉ አንትኾኑ፥ ስራሕቲ ኮሚኒኬሽን አወን ከምዝሰርሑ ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ትምህርቲን ስልጠናን ከምኡውን መፅናዕቲን ምርምርን ንምግባር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ትካላት ዓቕሚ ከምዝፈጥር ዝገለፁ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ምምሕዳርን ቢዝነስን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ሬድዋን ሱልጣን፥ ማእኸል ስልጠና ፋና ማእኸል ፅርየት ንምግባር ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ዘተባብዕ ኢዩ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣካዳሚ ዶክተር ደሳለኝ ጴጥሮስ ብግደኦም፥ መስ ፋና ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ከይዲ ዝሓሸ ትካል ንምህናፅ ዘኽእለ ኢዩ ኢሎም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment