ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሞም።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ወና ኣፋሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ሚኒስትር ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒን ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

ከልቲአን ትካላት ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ እቲ ስምምዕነት እዛ ሃገር ዝጀመረቶ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ሕብረተሰብ ንክበፅሕ ንምግባር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሚኒስቴር ዝሓዞም ስራሕቲ ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ሀዝቢ ንምብፃሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ደልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ብግደአን፥ እተን ትካላት ዝሰርሕኡ ስራሕቲ ሀዝቢ ንክፈጦም ንምግባር ምስ ፋና በምትሕብባር ምስራሕ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና ኢለን።

ኣብቲ ዓውዲ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ንህዝቢ ንምፍላጥ ኢሉ አወን ህዝቢ ዘልዕሎም ቅርታታት ንምስማዕን እቲ ትካል ካብ ሕብረተሰብ ዝደልዮም ነገራት ንምፍላጥ እቲ ስምምዕነት ይሕግዝ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ቀፃሊ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብምትሕብባር ንምስራሕ እቲ ሚኒስቴር ድልው ከምዝኾነ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment