ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ህብረ-ብሄራዊ ሓድነት ዘንፀባርቕን ሓድነት ዝሃንፅን ክኸውን ኣለዎ-ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ህብረ-ብሄራዊ ሓድነት ዘንፀባርቕን ሓድነት ዝሃንፅን ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

መርሃ ግብሪ መብሰሪን መጀመሪ ስራሕን ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ግራንድ ኤሊያና ሆቴል ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ካሳ፣ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ኣመራርሓ ሚዲያ፣ ሰራሕተኛታት፡ ተሓባበርቲ ኣሰናዳእቲ፣ መሻርኽቲ እቲ ሚዲያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፥፥ ናይ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ዋልታ ሚዲያና ኮሙኒኬሽን ኮርፖሬትን ምውሃድ ኣብ ታሪክ ሚዲያታት ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ኢዩ ኢሎም።

ክልቲአን ትካላት ህብረ ብሄራዊነት ንምህናፅ ቁርፀኝነት ምርኣየን ብምዝኽኻር፥ ሓዱሽ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ናይ ዜጋታት ደሕንነትን ብሄራዊ ረብሓን ኣብ ምኽባር ዝለዓለ ስራሕ ከምዝሰርሕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ግዕዙይ ኣሰራርሓ ኣብ ምግላፅ ኣወሃህባ ኣገልግሎት የመሓይሻ፣ ስኑዕን ናይ ፅልኣትን ሓበሬታ ይምክታ፣ ብሙሉእ ስብእና ጋዜጠኝነት፣ ፅርየትን ቅልጣፈን ይሰርሓ ኡሎም።

እቲ ሚዲያ ኣንፈት መንግስቲ ብትኽክል ንህዝቢ ንምብፃሕ ብስፍሓት ምስራሕ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ብማዕረ ዘገልግል ተኣማኒን ኣተኣማማኒን ሓበሬታ ንዜጋታት ተበፃሒ ምግባር ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment