ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብልዕሊ ብር 5 ነጥቢ 2 ቢሊየን ወፃኢ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዘይቲ ብልዒ ደብሊው ኤ ፅባሕ ክምረቕ ኢዩ።
የደብሊው ኤ ቢዝነስ ግሩፕ ዋና ስራ አስፈጻሚ እና የፋብሪካው ባለቤት አቶ ወርቁ አይተነው፤ ለመገናኛ ብዙሃን በሰጡት መግለጫ ፋብሪካው ከሃገር ውስጥ ፍጆታ በተጨማሪ የሰሊጥ ዘይት ኤክስፖርት ያደርጋል ብለዋል
ወናኒን ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ኣይተ ወርቁ ኣይተነው ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ፋብሪካ ካብ ጠለብ ውሽጢ ዓዲ ብተወሳኺ ዘይቲ ሰሊጥ ኤክስፖርት ከምዝገብር እውን ገሊጦም።
ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዘይቲ ብልዒ ደብሊው ኤ፥ ኣብ መዓልቲ 1 ሚሊየንን 350 ሺሕን ሊትሮ ዘይቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ።
እቲ ፋብሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ን1 ሺሕን 500 ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ እንትኸውን፥ ብሙሉእ ዓቕሙ ስራሕ እንትጅምር ድማ ቁፅሪ ሰራሕተኛታቱ ክሳብ 6 ሺሕ ክበፅሕ ኢዩ ተባሂሉ።
ብምስክር ስናፍቅ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!