ፋብሪካ ዘይቲ ብልዒ ደብሊው ኤ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብልዕሊ ብር 5 ነጥቢ 2 ቢሊየን ወፃኢ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዘይቲ ብልዒ ደብሊው ኤ ተመሪቑ።

ወናኒን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ደብሊው ኤ ቢዝነስ ግሩፕ ኣይተ ወርቁ ኣይተነው ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ፋብሪካ ካብ ጠለብ ውሽጢ ዓዲ ብተወሳኺ ዘይቲ ሰሊጥ ኤክስፖርት ከምዝገብር እውን ገሊጦም።

ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዘይቲ ብልዒ ደብሊው ኤ፥ ኣብ መዓልቲ 1 ሚሊየንን 350 ሺሕን ሊትሮ ዘይቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ።

እቲ ፋብሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ን1 ሺሕን 500 ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ እንትኸውን፥ ብሙሉእ ዓቕሙ ስራሕ እንትጅምር ድማ ቁፅሪ ሰራሕተኛታቱ ክሳብ 6 ሺሕ ክበፅሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብምስክር ስናፍቕ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment