ፋብሪካ ዓለባ ሃዋሳ ብብር 2 ቢሊየን ወፃኢ ናብ ዓቢዪ መንደር ኢንዱስትሪ ክዓቢ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ፋብሪካ ዓለባ ሃዋሳ ብብር 2 ቢሊየን ወፃኢ ናብ ዓቢዪ መንደር ኢንዱስትሪ ከምዝዓቢ ተገሊፁ።

እቲ ፋብሪካ ናብ ጨርቀመርቂን ፓርክ ኢንዱስትሪን ስግግር ንምግባር ሎሚ መአልቲ ስነ-ስርዓት ምጅማር ህንፀት ተወሰኽቲ ሼዳት ተኻይዱ።

ህንፀት እቲ መስፋሕፍሒ 14 መፍረዪ ሼዳት ዝሕዝ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ተሃኒፆም ክዛዘሙ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት መርሃግብሪ ምጅማር ህንፀት ሼዳት፥ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን አምባሳደር ምስጋኑ አረጋን ሓዊሱ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ዳሞን፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሲዳማ ኣይተ ኣብርሃም ማርሻሎን ምክትል ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ኣይተ ጥቱ በየነን ተረኺቦም።

ብተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ናብ መስፋሕፍሒ ዝኣተወ እቲ ፕሮጀክት፥ ዕድጊት ዘበናዊ መሳርሒታት ቴክኖሎጂ ብብር 500 ሚሊየን ወፃኢ ከምዝተሳለጠ እውን ተገሊፁ።

ፋብሪካ ዓለባን ፓርክ ኢንዱስትሪን ሃዋሳ፥ ዝተማልአ መሰረተ ልምዓታት ብምምዕርራይ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ንተኻረይቲ ክፍቲ ብምግባር ፍርያት ከምዝጅምር እውን ተሓቢሩ።

እቲ ፓርክ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ እንተኣቱ ድማ ን35 ሺሕ ዜፈጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኢዩ ዝብል ተፅቢት ኣሎ።

ነበር ፋብሪካ ዓለባ ሃዋሳ ንዘሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግሰቲ እናተመሓደረ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንደሓር ግን ነሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ተመሓላሊፉ ሕዚ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ እናተገበረሉ ይርከብ።

ብሶዶ ለማ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment