ፋብሪካ ወርቂ ኣኮቦ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ፍርያት ከምዝጅምር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ወርቂ ኣኮቦ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ፍርያት ከምዝጅምር ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

ኢንጂነር ታከለ ሎሚ መዓልቲ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልል ጋምቤላን ብምዃን ከይዲ ተኸላ ፋብሪካ ወርቂ ኣኮቦ ተዓዚቦም፡፡

እቲ ፋብሪካ ወርቂ ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዘርክብ እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎመ ፅሑፍ ኣብሪሆም።

ፍርያት እንትጅምር ንኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓቕሚ ኢኮኖሚ ዝፈጥርን ዓውዲ ኢንቨስትመንት ውልቀ ዘፈር ዘበርታትዕን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ስራሕቲ ፋብሪካ ወርቂ ኣኮቦ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ክልል ጋምቤላ ዕላዊ ከምዝተገበረ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment