ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋብሪካ ናሽናል ሲሚንቶ ለሚ ናብ ስራሕ ካብዝ ዝኣቱ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 7 ሚሊየን ኩንታል ሲሚንቶ ናብ ዕዳጋ ምቕራቡ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ፋብሪካ ተበፃሕነት ንምስፋሕን ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዘለዎ ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕ ባህሊ ንምዕባይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ዘትዩ፡፡
ኣብቲ እዋን ፋብሪካ ሲሚንቶ ለሚ ብብርኪ ሃገር ዘሎ ሕፅረት ሲሚንቶን ፀገም ዝርገሐን ብልዑል ኩነታ ብምንካይን ዋጋ ኣብ ምርግጋእን ቀዳማይ ግደ እናተዋፀአ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ መዓልቲ 100 ሺሕ ኩንታል ሲሚንቶ እናፍረየ እንትኸውን÷ በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 33 ሚኢታዊ ዝኸውን ቀረብ ሲሚንቶ ክሽፍን ከመዝኸኣለ ተሓቢሩ፡፡
ብሲሳይ ጌትነት