ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ቢራ ዳሽን ብ1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዘካየዶ ናይ ምስፍሕፋሕ ፕሮጀክት ዛዚሙ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንንን ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ተረኺቦም፡፡
ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥እቲ ፕሮጀክት ዋጋ ጥምረት ሰላምን ልምዓትን ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
መስፋሕፍሒ እቲ ፋብሪካ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ብምዕባይ ንምዕባለ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾን እውን ትፅቢቶም ገሊፆም፡፡
ኣብ መላአ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ውጥናት ልምዓት ኣብ ሽቶ ንኽበፅሑ ፀገማት ሰላምን ፀፅታን ንምፍታሕ ብዕምቆት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ብይስማው ኣደራው
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።