ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ “kiln shell” ዝተብሃለ ሓዱሽ መሳርሒ ብምግጣም ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ “kiln shell” ዝተብሃለ ሓዱሽ መሳርሒ ብምግጣም ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ እቲ ዘበናዊ መሳርሒ ብመስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ ዝፈረየ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብብርኪ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን  ኣብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ምግጣሙን ብዕውት ኣገባብ ተፈቲኑ ናብ ስራሕ ምእታዉን እውን ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ እቲ ፋብሪካ ብ“kiln shell” ተሓጊዙ ብክፋል ምፍራይ ጀሚሩ ኣሎ ኢሉ።

17 ሜትሮ ዝንውሓቱ kiln shell ፈርዩ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ግዜኦም፣ ጉልበትኩምን ፍልጠቶምን ንዘበርከቱ ኩሎም አመስጊኑ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment