ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ መዓልታዊ 25 ሽሕ ኩንታል ምፍራይ ኣብዚ ሰሙን ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበር ካብ ዘለናዮ ሰሙን ኣትሒዙ መዓልታዊ ገሊፁ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ብሙሉእ ዓቕሙ ከፍርየሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ተዓናቒፉ ከምዝፀንሐ ሓቢሩ።

ይኹን እንበር እቲ ኲናት ጠጠው ካብ ዝብል ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ፅገናታት ብምግባር ኣብዚ ሰሙን ብክፋል ዓቕሙ 25 ሽሕ ኩንታል ስሚንቶ ምፍራይ ከምዝጅምር ሓቢሩ።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ሙሉእ ፅገና ዛዚሙ ብሙሉእ ዓቕሙ ምፍራይ እንትጅምር  መዓልታዊ 75 ሽሕ ኩንታል ሲሚንቶ ምፍራይ ክጅምር እዩ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment