ፋብሪካ መሰቦ ተመን ዋጋ ችርቻሮ ስሚንቶ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ መሰቦ ተመን ዋጋ ችርቻሮ ስሚንቶ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፥ ብመሰረት ሓዱሽ መስርሕ መሸጣ ሲሚንቶ ተመን ዋጋ ችርቻሮ PPC ሲሚንቶ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ ።

ስለዝኾነ ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሲሚንቶ ክዕድጉ፣ ክከፋፍሉን ክችርችሩን ፍቓድ ተዋሂቡኩም ውዕሊ ዝኣሰሩ ኣካላት ብችርቻሮ ዝሸጡሉ ተመን ዋጋ ኣውፂኡ።

ብተወሳኺ ብኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ብመሰረት ዝፀደቐ ሓዱሽ መምርሒ ምሕደራ ቁፅፅርን ተበፃሓይነትን ሲሚንቶ፥ መምርሒ ቁፅሪ 02/2015 መሰረት ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ ዓዲጎም ኣብ መላእ ትግራይ በቢኸባቢኦም ብችርቻሮ ዝሸጡሉ ተመን ዋጋ ወፂኡ።

እዚ ተመን ዋጋ ናይ PPC ጥራሕ እንትኸውን፥ ናይ ትራንስፖርት፣ መኽዝንን ምምሕዳራዊ ወፃኢታቶም ኣብ ግምት ብምእታው ዝወፅአ ናይ ችርቻሮ ዋጋ ሙዃኑ ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment