ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 22 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማ ንመቻል 4 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢር ብምስዓር ተዓዊታ፡፡
ኣብቲ ፀወታ ንጋንታ ፋሲል ከነማ ጌታነህ ከበደ ክልተ ሸቶታት እንተመዝግብ÷ ዝተረፋ ድማ ቢኒያም ጌታቸውን ምኞት ደበበን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ንመቻል ካብ ስዕረት ዘየድሐና ክልተ ሸቶታት ኣቤል ነጋሽን ፊሊሞን ገብረፃዲቕን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ኣብቲ ሊግ ድሕሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ናብ ዓወት ዝተመለሰት ጋንታ ፋሲል ከነማ ብ27 ነጥቢ መበል 11 ደረጃ እትትቅመጥ መቻል ብ29 ነጥቢ ኣብ 7ይ ደረጃ ትርከብ፡፡
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12 ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ክፃወታ ኢየን፡፡