ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ እንግሊዝ ሮያል ሚሊታሪ ኣካዳሚ ናይ ወርቂ ጎራዴ ዝተሸለሙ ም/ሓለቓ ሚኢቲ ለገሰ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ እንግሊዝ ሮያል ሚሊታሪ ኣካዳሚ ናይ ወርቂ ጎራዴ ዝተሸለሙ ም/ሓለቓ ሚኢቲ ለገሰ መብራት ተዛቲዮም።

ም/ሓለቓ ሚኢቲ ለገሰ፥ ንሓደ ዓመትን ሸሞንተ ወርሒን ትምህርቶም ብምክትታል ዕዉት ውፅኢት ምምፀኦም ምስ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም፡፡

ኣብ ሮያል ሚሊታሪ ኣካዳሚ ካብ ልዕሊ 38 ሃገራት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ካብ ሞንጎ ዝተውፃእፀኡ 250 ተምሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ብመሓዝ ናይ ጥንታውያን ሃገራት ምብራቕ ጎራዴ ወርቂን ሜዳሊያን ተሸላሚ ንምዃን ምብቀዖምን እቲ ሜዳሊያ ከምዝወሰዱን እውን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሽልማት ብመለክዒ ዝተቐመጡ ኣብ ኣካዳሚክ፣ ብሚሊታሪን ትባራዊ ትምህርቲን ካብ ዘለዉ ተምሃሮ ልዑል ውፅኢት ብምፃእ ንሽልማት ከምዝበቕዑ ኢዮም ዝሓበሩ፡፡

ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ ለገሰ መብራት ምስቶም ኢታማዡር ሹም ካብዝገበሩዎ ዘተ ብተወሳኺ ምስ ላዕለዎት ጀነራላት ፃንሒት ከምዝገበሩ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment