ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ትካላት ፀፅታ ኣባላት ማሕበር ኣክሲዮን ማይክሮ ፋይናንስ ዓወት ዓድዋ ንኽኾና ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ትካላት ፀፅታ ኣባላት ማሕበር ኣክሲዮን ማይክሮ ፋይናንስ ዓወት ዓድዋ ንኽኾና ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ÷ ብፅሒት ኣክሲዮን ማይክሮ ፋይናንስ ዓወት ዓድዋ ሎሚ መዓልቲ ዓዲጎም፡፡

እቶም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ኣብቲ እዋን÷ ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲ ሰራዊት ምክልኻልን ትካላትን ከምኡ እውን ትካላት ፀፅታ ፌዴራል፤ ኣባላት ማሕበር ኣክሲዮን ማይክሮ ፋይናንስ ዓወት ዓድዋ ንኽኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብፍላይ ፌዴራል ፖሊስ፣ ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ምምሕዳር መርብ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ሰራዊት ምክልኻልን ናይ ክብሪ ኣባላትን ኣባላት እቲ ኣክሲዮን ንኽኾኑ ሓቲቶም፡፡

ማሕበር ኣክሲዮን ማይክሮ ፋይናንስ ዓወት ዓድዋ÷ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ደምቢ ቁፅሪ 459/2012 ዓንቀፅ 7 ንኡስ ዓንቀፅ 3 መሰረት ንሰራዊት ምክልኻ ትካል ማይክሮ ፋይናንስ ከጣይሽ ከምዝኽእል ዝተቐመጠ ሕጋዊነትን ተሞክሮ ሃገራት ዓለምን መበገሲ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment