ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ንዑደት ስራሕ ጁባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ልኡኽ ዑደት ስራሕ ንግባር ናብ ደቡብ ሱዳን ጁባ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዘቕረበሉ ዕድመ ስዒቡ ንክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ጁባ ኣትዩ ዘሎ፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ጁባ እንቲ በፅሑ ድማ÷ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ደቡብ ሱዳንን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት እታ ሃገርን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ድሕሪ እቲ ኣቀባብላ÷ ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ከደቡብ ሱዳንን ላዕለዎት ኣመራርሓ ጦርን ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዝዋሰኑሎም ከባቢታት ዘተኣማምን ፀፅታ ንኽህሉ ኢሉ እውን ኣብ ጉዳይ ሰላም እቲ ዞባ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment