ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ትግራይ ብመዐወኒ ሓሽሽ እናደንዘዘ ናብ ኲናት የሳውሮም ኣሎ- ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ትግራይ ብመዐወኒ ሓሽሽ እናደንዘዘ ናብ ኲናት የሳውሮም ኣሎ ከብሉ ኣቦ መንበር ዴሞክራቲክ ፓርቲ ትግራይን ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ  ግድብ ህዳሰን ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም።

ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እቲ ተግባር ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ እውን ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

እቶም ህፃናት ናብዚ እንትኣትዉ ፈሊጠምዎ፣ ነቲ እኩይ ተግባር ተረዲኦም እንተይኮኑስ ናይ ፅባሕ ተስፋ ስለዝፀልመቶም፣ ብዝተዛብዐ ፕሮፓጋንዳ ልቦነኦም ስለዝሸፈተን ሓሽሽ እናሃበ ካብ ኣእምሮኦም ወፃእ ስለዝገበሮምን ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ብዙሓት ህፃናት ኣብ ዘይዕድመኦም ናብ ኲናት ይሳወሩ ከመዘለዉ ተዛሪቦም ክብል ኢፕድ ፀብፂቡ።

እዚ ድማ ዓለም ለኻዊ ገበን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment