ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ብኣንፈት ዓፋር ዞበ ፈንቲረሱ፣ ወረዳ ያሎ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ናብ ትግራይ ሓገዝ ፅዒነን ዝጎዓዛ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ንከይንቀሳቐሳ መስመር ሓገዝ ንክዕፆ ምግባሩ ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕን ሓደጋን ድልውነትን ሐቢሩ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ምትኩ ካሳ ንግዜኢ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታትን ዝፀዓና 189 ከበድቲ ተሽከርከርቲ ንከይንቀሳቐሳ ገይሩ ኢዩ።
ብምኽኒያት እዚ እተን ተሽከርከርቲ ደው ንክብላ ተገዲደን ኢየን ኢሎም።
መንግስቲ በይናዊ ድው ምባል ተኹሲ ብምግባር ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሕ ኩነታት ምምቹቻዉ ዘዘኻኸሩ እቶም ኮሚሽነር፥ ንህዝቢ ትግራይ ምንም ርህራሄ ዘይብሉ ፈጣሪ ረዕዲ ህወሓት መስመር ብምዕፃው ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍጣር ይፅዕር ኣሎ ኢሎም።
መንግስቲ ካብ ዓለም ለኻዊ ትከላት ተራድኦ ዝረኸቦ ሓገዝ ንከይተዓናቐፍ ኩነታት እንተመቻቸወ እውን ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት መጥቃዕቲ ካብ ምፍፃም ዘይምቑጣቡ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።