ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብዝግባእ ንምጥዕዓም ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዘለውዎ ብቕዓት ከጠንኽር ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብዝግባእ ንምጥዕዓም ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዘለውዎ ብቕዓት ከጠንኽር ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሐዘላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሸ ትካል ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ጥራሕ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ስራሕን ክእለትን ናይ ምፍጣር ልኡኹ ብዝነኣድ መገዲ ምፍፃም ከምዝጀመረ  ሓቢሮም።

ስለ ዝኾነ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብዝግባእ ንምጥዕዓም ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዘለውዎ ብቕዓት ከጠንኽር ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment