ፈተና 12 ክፍሊ 2014 ዓ.ም ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ዙር ፈተና 12 ክፍሊ 2014 ዓ.ም ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣጋግዘ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ ፈተና ክወስዱ ኢዮም ተባሂሎም ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም 595 ሺሕ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይን እቶም 586 ሺሕን 541 ተምሃሮ ፈተና ወሲዶም ኢሉ።

እቲ ፈተና ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ዘጋጠመ ሓደጋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዩኒቨርሲቲታት መቅደላ ኣምባ፣ ደብረ ማርቆስ፣ ባህርዳርን ደብረታቦርን ካብ ስርዓት ብዝወፅአ ኩነታት ኣይንፍተንን ብምባል 12 ሺሕን 787 ተምሃሮ ቀፅ እቲ ዩኒቨርሲቲ ለቒቖም ከምዝወፅኡ ኣፍሊጡ።

ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ታቦር ዝፍተኑ ተምሃሮ ሓይሊ ብዝተሓወሶ መልክዑ ብዝተፈጠረ ዕግርግር ህይወት ሓደ ተምሃራይ እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀፅ ጉድኣት ከምዘጋጠመ እውን ገሊፁ።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment