ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር ብምፍሻል ልዕሊ 23 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኢንፎርሜሽንን መርበብ ድሕንነትን ኣብ 2015 ዓ.ም ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር ብምፍሻል ልዕሊ 23 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

መበል ራብዓይ ጉባኤ ወርሒ ሳይበር ድሕንነት “ስግኣት ሳይበር ድሕንነት ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብረሃም በላይ(ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተሳቲፎም።

ዋና ዳይሬክተር ምሕደራ ኢንፎርሜሽን መርበብ ድሕንነት ሰለሞን ሶካ፥ ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዘቕንዑ መጥቃዕቲ ሳይበራት ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኹ ብምህላዉ ምምሕዳር እቲ ሳይበር ንምክልኻል ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ኣንፀላልዩ ዝነበረ ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር ብምፍሻል ልዕሊ 23 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኣብርሀም በላይ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ሳይበር ድሕንነት ቁልፊ መወዳደሪ ዓቕሚ ብምዃኑ ድሕንነት ምሕደራ ሳይበር ምሕላው ናይ ኩሉ ብፅሒት ክኸወን ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ 2015 ዓ.ም 6 ሺሕን 959 ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝተገበሩ ተገሊፁ።

ትካላት ፋይናንስ፣ ፀፅታን ድሕንነትን፣ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት፣ ቁልፊ ትካላት መንግስቲ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር ብስፍሓት ከምዝግበረለን ተሓቢሩ።

ብፍቅርተ ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment