ፈተነ መጀመሪ ቅድመ ትግበራ ብሄራዊ ስርዓት መስታወቂያ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈተነ መጀመሪ ቅድመ ትግበራ ብሄራዊ ስርዓት መስታወቂያ ምጅማሩ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስቴር ድማ ብምምዝጋብ “ሓደ ሰብ ንሓደ ሰብ” ብዝብል መሪሕ ቓል ቀዳማይ ብርኪ ፈተነ ቅድመ ትግበራ ብዕዉት ኩነታት ምዝዛሙ ገሊፁ።

እቲ ዝተሃነፀ ስርዓት፥ መሰረታዊ ዝኾኑ ናይ ውልቀ ሰብ ሓበሬታታት ማለት እውን ሙሉእ ሽም፣ ዘበን ትውልዲ፣ ፆታ፣ ከምኡ እውን እዋናዊ መንበሪ ኣድራሻ ዝሕዝ ኢዩ፡፡

ብተወሳኺ ፎቶግራፍ ባዮሜትሪክ ዳታ፣ ዓሸራ ዓሰርቲአን ኣፃብዕቲን ብሌን ዓይኒን ዘካትት ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ሓዱሽ ዝተዘርገሐ ስርዓት፥ ኣምሲልካ ዝስርሑ ዝተፈላለዩ ምጭብርባራት ብዘተኣማምን ኩነታት ንምክልኻል ዘኽእል ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment