ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኒጀር ዝተፀመ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ፈረንሳይ ዲፕሎማሰኛታታን ወታደራታን ካብ ኒጀር ከምተውፅእ ኣፍሊጣ።
ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን÷ ሃገሮም ኣብ ኒጀር ዘለዉዋ ኣምባሳደራትን ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታታትን ኣብ ዕድመ ሰዓታት ንምውፃእ ከምዝወሰነት ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ማክሮን ምስ ኒጀር ዝነበሮም ወታደራዊ ምትሕብባር ከምዘብቀዐ ዝገለፁ እንትኾኑ÷ ሓይሎም ክሳብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣውፂኦም ከምዝውድኡ ገሊፆም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ወርሒ ሓምለ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝተቖፃፀረ ወታደራዊ ሓይሊ ንውሳነ ፈረንሳይ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ፡፡
ምስ መንግስቲ ኒጀር ብዝነበረ ማዕቐፍ ምትሕብባር÷ ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገር 1 ሺሕን 500 ዝኾኑ ወታደራት ፈረንሳይ ይርከቡ፡፡
እቲ ናይ ሕዚ ውሳነ÷ ፈረንሳይ ካብ ኒጀር ለቒቓ ንኽትወፅእ ዝሓትት ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ሰልፊ ተቓውሞ ስዒቡ ዝመፅአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com