ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ምሐዝነት ክትፈጥር ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾኑ ኣሌክሲስ ሌሜክ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝዓለመ ዘተ ገይሮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ምስ ፈረንሳይ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ክተጠናኽር ከምትደሊ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብሪሆም፡፡

ነዚ ድማ ሰብ ሃፍቲ ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ-ንዋዮም ንኸፍስሱ ፃውዒት ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ኣሌክሲስ ብግደኦም ፈረንሳይ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ብምርግጋፅ÷ ምስታ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነት ንምፍጣር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ብተመሳሳሊ ሓዳሽ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ብምዃን ምስ ዝተሾማ ሶፊ ኤሚስበርግር ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ከምኡ እውን ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮፓ ከይዲ ስግግር ፍትሒን ሃገራዊ ዘተን ንኽድግፍ ሓቲቶም፡፡

እተን ኣምባሳደር ብግደአን ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ስትራቴጂክ መሓዛ ሃገራት ኣውሮፓ ከምዝኾነት ብምግላፅ÷ እቲ ሕብረት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾነ ኣረጋጊፀን፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment