ፈረንሳይ ምስ ኔዘርላድስ ሎሚ ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ፈረንሳይ ምስ ኔዘርላድስ ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ዝርከባ ፈረንሳይን ኔዘርላድስን ምሸት ሰዓት 4 ዝገብርኡ ፀወታ ልዑል ጠመተ ስሒቡ።

ኣብ ቀዳማይ መፃረዪ ፀወታ ፈረንሳይ ንኦስትሪያ 1 ን 0 ከምኡውን ኔዘርላንድስ ንፖላንድ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓረን ይዝከር።

ማዕረ 3 ነጥቢ ዘለወን ፈረንሳይን ኔዘርላድስን ካብቲ ምድብ ብቐዳምነት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅንባር ልዑል ንሕንሕ ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ሰዓት ሓደ ናይ ምሸት ፖላንድን ኦስትሪያን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ድማ  ስሎቫኪያን ዩክሬንን ካልኣይ ዙር ምድብ ፀወተአን ከምዘካይዳ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment