ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ጉዳይ ሩሲያ – ዩክሬን ምስ ቻይና ክዝትዩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ጉዳይ ሩሲያ – ዩክሬን ምስ ቻይና ሎሚ ክዝትዩ ኢዮም።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ዴር ሌየንን ንሰለስተ መዓልቲታት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ  ቻይና ኣምሪሖም።

ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣብ ጉዳይ ሩሲያ – ዩክሬን ክዝቲዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ብፍላይ ማክሮን ቻይና ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ንሩሲያ ከይትውግን ናይ ምርዳእ ስራሕ ክሰርሑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ኢድ ናይ ምእታው ድሌት ኣየሃልዋ እምበር፥ ናይ ቀረባ ፈታዊት ፕሬዚዳንት ቭላድሜር ፑቲን ከም ምዃና ድሕሪ እቲ ዘተ ተስፋ ዝህበው ውፅኢት ክርከብ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

Comments (0)
Add Comment