ፈላሞት ተረባሕቲ ፕግራም ውሕስና ምግቢ ከተማታት ናይ ሰለስተ ወርሒ ቅድመ ክፍሊት ንኽኽፈሎም ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ፕሮጀክት ስትሪሚንግ ልምዓታተዊ ሴፍቲኔት ከተማማታት ፌዴራል ፈላሞት ምስ ቫይረስ ኮሮና ቫይረስ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከቡ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ምስ ፕሮጀክት ውሕስና ምግቢ ከተማታት ተተሓሒዙ ተጋለፅቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ከጋጥሞም ዝኽእል ማሕበራን ቁጠባዊን ጸገማት ብቕልጡፍ ዝፈትሑሉ ምላሽ ንመሃብ ዘኽእሎም ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ኣካቢት ኮሚቴ ፕሮጀክት ስትሪሚንግ ውሕስና ምግቢ ከተማታትን ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር አይሻ መሃመድ ከምዝገለፀኦ፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብፍላይ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብሩ ካፋላት ሕብረተሰብ ከስዕቦ ዝኽእል ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገም ኣብ ግምት ዘእተዉ ውሳነታት ንምውሳን ዝተፈላለዩ ቅድመ ምድላዋት እናተኻየዱ ፀኒሖም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ በቲ ፕሮግራም ኣብ ዝተሓቖፋ 11 ከተማታት ዝርከቡን ኣብ ልምዓት ከባቢ ዝተዋፈሩን ፈላሞት ተረባሕቲ ናይቲ ፕሮግራም ናብረኦም ንምምራሕ ኣብ ዝኽእሉሉ ብርኪ ዝርከቡ ዋላ እንተኾኑ እቲ ለበዳ ሕማም ብዘስዕቦ ማሕበራን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶ ከይጉድኡ ብዝብል ስረሖም እንተይሰርሑ ናይ ሰለስተ ወርሒ ቅድመ ክፍሊት ንኽኽፈሎም ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ገሊፀን።

በቲ ፕሮግራም ዘይተሓቖፉን ትሑት መነባብሮ ዝደፍኡ ዜጋታት እውን በቲ ለበዳ ሕማም ተቓላዕቲ ክኾኑ ዝኽእሉሉ ልዑል ኣጋጣሚ ብምህላዉ ኣብቲ ፕሮግራም ንኽካተቱ በምግባር ናይ ተመሳሳሊ ክፍሊት ንኽኽፈሎም እቲ ኮሚቴ ወሲኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ጎደና ሓደር ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ በቲ ለበዳ ንኸይጥቅዑ ቅድሚ ሕዚ ብዘላቒነት ንምጥያሽ እናተሰርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ከተማታት ንኽትግብራ ውሳነ ምምሕልላፉ ካብ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment