ፈላማይ ጉባኤ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣዳላውነት ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ጉባኤ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መአከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ኣተሓሳስባ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ፍልስፍን ንሓድሽ ወለዶ ኣፍሪካ ምፍላጥን ሕብረት ምጥንኻርን ዝዕላምኡ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ጉባኤ ካብ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ መራሕቲ ተሳተፍቲ እዮም፡፡

ብዓለም ለኻዊ ስርዓት ፖለቲካ ኣፍሪካ ከም ኣህጉር ዘለዋ እጃም ንኽጠናኸር ንመናእሰይ ንምርኣይ ከምኡ እውን ምትእስሳር ንምዕባይ ዕላማ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ነባራት መራሕቲ ኢትዮጵያ ተሞክሮኦም ከምዘካፍሉ ትፅቢት እንትግበር ፥ ናይ ኩሎም ቤትዕዮታት ሚኒስቴር ሚኒስተራት ብናይ ክብሪ እንግዶት ክርከቡ እዮም ተባሂሉ፡፡

ኣብ ምትሕብባርን ሕውነትን ኣፍሪካ ዘድሃቡ ዝተፈላለዩ ምርምርን መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ቀሪቦም ዘተ ክካየደሎም እዩ እውን ተባሂሉ፡፡

ካብቶም መናእሰይ ብተወሳኺ ስድራ ብሂወት ዘየለዉ ነባራት ተጋደልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብቲ ጉባኤ ዝዕደሙ ኮይኖም፥ ነቶም ተጋደልቲ  ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቢሉ ሽልማት ከምዝብርከተሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment