ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ዝኾነ ፈላማይ መፅንሒ መርከብ ወደብ ላሙ ብፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ተመሪቑ።
ፕሬዚዳንት ኬንያታ እቲ ወደብ ስራሕ ምጅማሩ ዘብሰሩ እንትኾኑ፥ ፈላመይቲ መርከብ እውን ኣብቲ ወደብ መልህቃ ኣዕሪፋ ኣቑሑት ኣራጊፋ።
ህንፀት ወደብ ላሙ ሰለስቲአን ሃገራት ኣፍሪካ ብንግዲን ዘፈር ኣገልግሎትን ብምትእስሳር ብዙሕ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ካልኦት ኣካላት እቲ ፕሮጀክት ንኽቀላጠፉ እውን ኣተሓሳሲቦም።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለም ብግደኦም፥ “ኢትዮጵያ ፕሮጀክት ወደብ ላሙ ጋህዲ ንምግባር ኣድላዪ ኣስተዋፅኦ ክትገብር ኢያ” ኢሎም።
ምኽፋት እቲ ወደብ፥ ምስ ምምራቕ መገዲ ኣዲስ ኣበባ-ሞያሌ-ናይሮቢን ምጅማር ኣገልግሎት ሓደ መስኮትን ተደሚሩ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከምዘጠናኽር ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!