ፅገና መስመር ኤሌክትሪክ ኣላማጣ – ቆቦ 50 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅገና እናተገበረሉ ዝርከብ መስመር ኤሌክትሪክ ኣላማጣ – ቆቦ 50 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝኸፈቶ ኲናት ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ናይ ምፅጋን ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዳይሬክተር ዲስትሪክት ወልዲያ ኣይተ ሽመልስ ወልደሰማያት ገሊፆም፡፡

ስራሕቲ ፅገና መሰረተ ልምዓት÷ ካብ ኣላማጣ ክሳብ ቆቦ ኣብ ዝርከብ መስመር ከምኡ እውን ካብ ኣላማጣ ክሳብ ላሊበላ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ካብ ኣላማጣ – ቆቦ እናተሳለጠ ዝርከብ ፅገና ማእኸላይ መስመር ስራሕ 50 ሚኢታዊ ምዝዛሙ ስዒቡ ስራሕቲ ፅገና 66 ኪሎ ቮልት መስመር ትራንስሚሽን ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ልዑል ዝኾነ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ምግላፆም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment