ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን እናስዐቦ ዝርከብ ጥፍኣት ንምግታእ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ እቲ ተግባር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቐንዱ ብሄርን ሃይማኖትን ሸፋን ዝገበረ ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን እናስዐቦ ዝርከብ ጥፍኣት ንምግታእ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ እቲ ተግባር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ጌታ ሰው እንዳለው ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሄርን ሃይማኖትን ሸፋን ዝገበረ ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን ዝፈጠሮ ፀገም እናተበኣኣሰ ይርከብ።

ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ፣ ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ፣ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ፅንፈኛ ብዘቐንቅኑዎ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታ ግዳይ ዝገበሩ ብዙሓት መጥቃዕቲታት እናተፈፀሙ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም መምህር፥ ብድሕሪቶም ሃገርን ህዝቢን ብዘላቒነት ናይ ምድኻም ዕላማ ዝሓዙ ኣካላት ከምዘለዉ ዘጠራጥር ከምዘይኮነ ገሊፆም፡፡

ብምኽንያት መንነት ብሄርን ኣፈላላይ ሃይማኖትን ንኻሊእ ጎዲአ ድሌተይ ከዕውት ኢየ ብምባል ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ንዝኾነ ይኹን ኣካል ተረባሒ ከምዘይገብር እውን ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሰሙን ምዕዛብ ከምዝተኽኣለ ቦታ እናቐያየረ ብዝተፈላለዩ ካፋላት እታ ሃገር ዘረአ ስርዓት ኣልቦነት ንድሕንነት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ እናውደቐ ስለዝኾነ፥ መንግስቲ ቀንዲ ሓላፍነቱ ዝኾነ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ብፍሉይ ጠመተ ክሰርሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ብበርናባስ ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment