ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ ተግባር ዘውግዝ ሰልፊ ኣብ ክልል ሲዳማ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ ተግባር ዘውግዝ ሰልፊ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ኣደባባይ ሚሌኒየም ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ካብ ንጎሆ ሰዓት 12 ኣብ ዝጀመረ ሰልፊ ደገፍ፥ ካብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ነበርቲ ይሳተፉ ከምዘለዉ ካብ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

እቶም ነበርቲ ከሓዲ ጉጅለ ዘውግዙን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፉን ዝተፈላለዩ መፈክራት ብምሓዝ ኢዮም ኣብቲ ሰልፊ ዝሳተፉ ዘሎዉ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ፅንፈኛ ጁንታ ዝወስዶ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ብኹሉ መንገዲ ከምዝድገፍ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብመስዋእትነት ህዝቢ ዝተሃነፀት ብምዃና ብነኻሲ ጡብ ኣደ ጁንታታት ኣይትፈርስን ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ ደገፍ ሰልፊ፥ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምስላፍ ትፅቢት ዝግበረልና ኩሉ ደገፍ ክንገብር ኢና ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment