ፅባሕ ዝካየድ ጒያ ጎደና ምኽኒያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ “መቻል ለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ጒያ ጎደና ምኽኒያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ፦

. ካብ ብሔራዊ ቤተመንግስቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ

. ካብ ካዛንቺስ ናብ ባምቢስ

. ካብ ኦሎምፒያ ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ

. ካብ ጥላሁን ኣደባባይ ናብ ሳንጆሴፍ መብራት

. ካብ ለገሃር መብራት ናብ መስቀል ኣደባባይ

. ካብ ሃራምቤ መብራት ናብ መስቀል ኣደባባይ ካብ ንጎሆ ሰዓት 11:00 ጀሚሩ እቲ ጒያ ክሳብ ዝዛዘም ንተሽከርከርቲ ዕፁው ክኾን ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ መስመራት እቲ ጒያ ካብ 22 ሰነ 2016 ዓ.ም ምሸት ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ተሽከርካሪ ደው ኣቢልካ ምኻደ ኣጥቢቑ ዝተኸልከለ ከመዘኾነ እውን ፖሊስ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment