ፅባሕ ዝሳለጥ ስሩዕ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፀፅታ ብዝምልከት ትኹረት ክገብር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ዝሳለጥ ስሩዕ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ኣብቲ ክልል ዘሎ ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ፀፅታን ብዝምልከት ትኹረት ብምግባር ከምዝዝቲ ተገሊፁ።

ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወይዘሮ ሎሚ በዶ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝተኻየደ ዓስራይ ስሩዕ ጉባኤ ኣብ ኩነታት ፀፅታ ቀዳምነት ብምሃብ ከምዝዘተየ ኣዘኻኺረን።

ብምሰረት እዚ ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት እታ ክልል ሰለማዊ ኩነታት ከምዘሎ ተዛሪበን።

ይኹን እምበር ሐዚ እውን ሙሉእ ብሙሉእ ኣተኣማማኒን ሰላማዊን ኩነታት ንምርግጋፅ ዓሊሙ ከምዝስራሕ ሓቢረን።

ብተወሳኺ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ኣፈፀምቲ ኣካላት ብዝምልከት ብምቕራብ ግብረ መልሲ ከምዝወሃብ ተዛሪበን።

ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ረቀቕቲ ኣዋጃትን ሹመታትን ብምቕራብ ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ክፀድቁ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣዳነች ኣበበ

Comments (0)
Add Comment