ፅባሕ ኣብ ሎሚ ኮይንኻ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከም ፋና ዝበለ ሚዲያ የድሊ-ኣይተ ኣብረሃም ኣለኸኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ሎሚ ኮይንኻ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከም ፋና ዝበለ ሚዲያ የድሊ ክብሉ ኣካቢ ኣመራርሓ ቦርድ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣተሓባባሪ ሚኒስትር ህንፀት ዴሞክራሲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን  ኣይተ ኣብረሃም ኣለኸኝ ገሊፆም።

ሓደሽቲ ፎርማታት መፋለጢ፣ መተኣኻኸቢ ሃነፅቲ ርእይቶታትን መበል 28 በዓል መስረታን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት ኣብ ዝተሳለጠ እቲ መድረኽ፥ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣድመፅቲ፣ ተመልከትቲን ተኸታተልቲን ከምኡውን መዳርግቲ ትካላት ተረኺቦም።

ኣይተ ኣብረሃም ኣለኸኝ ኣብ ዘሰምዕዎ መኽፈቲ መደረ፥ ፋና ኣብ ከይዲ ለውጢ ንለውጢ ዝሰርሕ ትካል ሚዲያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ትካል ብሸሞንተ ናይ ውሽጢ ዓዲን በክልተ ናይ ወፃኢን ቋንቋታት ብሬዲዮ፣ ቴሌቪዥንን ዲጂታል ሚዲያን ትሕዝቶታት ናብ ኣድመፅቲን ተመልከትቲን ብምብፃሕ ሃናፂ ግደ ይፃወት ከምዘሎ አወን ሓቢሮም።

መፃኢ እዋን ካብ ዝሓለፈ እዋን ብዝበለፀ ፈታኒ ከምዝኸውን ብምሕባር ፈተናታት ከምዕደል ምጥቃም ይግባእ ኢሎም።

ህዝባውነቱ ብምጥንኻር ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር፣ ግዕዝይናን ዝተወደበ ሰርቅን ብምቅላስ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ምውፃእ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ድማ ሓቢሮም ሃገራዊ ሓላፍነቱ ምውፃእ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ድማ ሓቢሮም።

ዝነበርዎ እወንታዊ ክብሪታት ብምስፋሕ ኢትዮጵያ ዘሳግር ትውልዲ ናይ ምህናፅ ግድኡ ኣጠናኺሩ ነክቕፅል ኣተሓሳሲቦም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮሮፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ብግደኦም፥ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓማውቲ ብኣካል ይኹን መንፈስ ናብ ሕብረተሰብ ብምቕራብ እናሰርሐ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ፋና ቅድመ ሐዚ ካብ ዝሰርሖም ብዝበለፀ ናብ ህዝቢ ዘቕርቡን ፅባሕ ዝሓሸ ንምግባር ዘኽእሉል ትሕዝቶታት ሒዙ ከመዘመፅአ ድማ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment