ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ፃዕሪ ናብ ድሕሪት ዘይምለስን ብቑርፀኝነት ዝስረሐሉን ዛዕባ ኢዩ- ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2016 ዓ.ም ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተፈፀሙ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።

ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተገምጊሙ።

ብርሃኑ ነጋ(ፕ/ር) ፥ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ለውጢ ሰርዓተ ትምህርቲ ሓዊሱ ብዙሓት ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ  ሓቢሮም።

እቲ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ኩሎም ብርኪታት ትምህርቲ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እዛ ሃገር ተግባራዊ ምግባር ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።

ሰርዓተ ትምህርቲ ምቕያሩ ስዒቡ ዘጋጠመ ሕፅረት መፃሕፍቲ ንምቕራፍ ብዙሓት ፃዕሪታት ይግበሩ ከምዝፀንሑ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ንብዙሓት ተምሃሮ መፃሕቲ ከምዝዕደል ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment