ፅሬት ብዘለዎ ትምህርቲ ሓታቲን መሃዚን ትውልዲ ምህናፅ ከምዝከኣል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅሬት ብዘለዎ ትምህርቲ ሓታቲን መሃዚን ትውልዲ ምቕራፅ ከምዝከኣል ተገሊፁ።

ኣብ ክሊ ፅሬት ትምህርቲ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ መፅናዕቲን ምርምርን ኣብ ዩንቨርስቲ ወሎ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ወሎ ዶ/ር ኣፀደ ተፈራ፥ ሓታቲን መሃዚን ትውልዲ ንምህናፅ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ከስራሕ ይግበኦ ኢለን።

ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ምርግጋፅ ኣብ ምምፃእ ሰላምን ልምዓትን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፥ እቲ ንምርግጋፅ መስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪበን።

እቲ መድረኽ ዘተ “ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንሰላምን ቀፃልነት ዘለዎ ልምዓትን” ብዝበል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ዝተፈላላለዩ መምህራን ዩንቨርስቲታት ይሳተፉ ኣለዉ።

ብስንታየሁ መሓመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment