ፅሕተራታት ንምቑፃይ ናይ ውሽጢ ፀገም ምፍታሕ ይግባእ-ኣምባሳደር ሬዲዋን ሑሴን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘጋጥሙ ፅሕተራታት ብሓፂሩ ንምቑፃይ ናይ ውሽጢ ፀገም ምፍታሕን ተሓባቢርካ ምስራሕን ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬዲዋን ሑሴን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ ዋር ኮሌጅ ምክልኻል ሃገር ብምርካብ ኣብ ሃገራዊን ቀጣናዊን ጉዳያት ድሕንነትን  ትንተና ስግኣትን ንሳልሳይ ዜር ስሩዕ ተምሃሮ መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ እዋን ናይ ሓንቲ ሃገር ብሄራዊን ታሪኻዊን ስግኣት ምፍላይን ምትንታንን፥ ገልፂ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ንምቕራፅ ኢሉ እውን ምላሽ ምሃብ ዝኽእሉ ናይ ምፍፃም መሳርሒታት ንምህናፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብሄራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ንምሕላው፥ ብፍልጠትን ኢኮኖሚን ምጉልባት ኢሉ እውን ኩለ መዳይ ድሕንነት ህዝቢ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ምህናፅ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

እዚ ንምግባር ድማ ካብ ድኽነትን ተሓጋዛይነትን ምልቓቕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ዓቕሚ ምጉልባትን ናብ ዝሓሸ ብራኸ ምሽጋርን የድሊ ምባሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment