ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅልኢትን ጎንፂን ንኽፍጠር ዝሰርሑ ማሕበራዊ መርብ ሓሬታታ ንሃገር ፀገማት ከምዝኾኑ ቤት ምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ንመበል 31 ግዘ “ጋዜጠኝነት ኣብ ውሽጢ ዲጂታል ዓለም” ብዝብል መሪሕ ቃል መዓልቲ ናፅነት ፕሬስ ይኽበር ኣሎ፡፡
ኣካቢ ቤት ምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣማረ ኣረጋዊ ኣብቲ እዋን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነት ንኸዓስል ማሕበራዊ መርበብ ሓሬታታት መምርሒ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት መሰረት ብምግባር ተግባሮም ከሳልጡ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
እናተስፋሕፈሐ ዝርከብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መርብ ሓበሬታ፥ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ሓላፍነት ብዝጎደሎን ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ብዘይሓለወን መልክዑ ዝልቀቑ ጎንፂ ዝቕስቅሱ ሓበሬታታት ንሃገር ማሕለኻታት ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም፡፡
ብታሪኩ ለገሰ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።