ፃውዒት ሰላም ዝተቐበሉ ዕጡቓት ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ተሃድሶ ሰራባ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ አም ሲ)ፃውዒት ሰላም መንግስቲን ህዝቢን ዝተቐበሉ ዕጡቓት ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ተሃድሶ ሰራባ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቶም ዕጡቓት ህዝቢ እቲ ክልል በዚ ጎንፂ ዘትረፎ ሞትን ዕንወትን ከምዝኾነ ብምርደኦም ፃውዒት ሰላም ከምዝተቐበሉ ብምሕባር፤ ዝበደልናዮ ህዝብና ንምኽሓስ ድሉዋት ኢና ኢሎም።

ብኲናት ዝመፅእ ለውጢ ከምዘየለ ከምዝተገንዘቡ ብምግላፅ፤ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከብ ከስቢ ብዘይምህላዉ ኣብ ጫካ ዝርከቡ ኣሕዋትና እዚ ፃውዒት ክቕበሉ ኣለዎም ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ኣቀባብላ ዝተረኸቡ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ብግደኦም፥ ህዝቢ እቲ ክልል ሰላም ንምግባር ፃውዒት ህዝቢን መንግስቲን ምቕባሎም ዝምስገን ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment