ፃውዒት ሰላም ኣዴታት ኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ስራሕ ዝምስገን ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃውዒት ሰላም ኣዴታት ኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ስራሕ ዝምስገን ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ጉባኤ ፃውዒት ሰላም ኣዴታት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺበን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ፃውዒት ሰላም ኣዴታት ኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ስራሕ ዝምስገን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣገንዚበን።

ሃገርና ኢትዮጵያ ፍቕሪን ሰላምን ዝዓሰላ ከምኡ እውን ንዜጋታ ትምቹ ንኽትከውን ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ዝርከቡ ማሕበረሰባት ሓዊሱ ኣዴታት ኢትዮጵያ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ማሕበረሰብን፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ፍሉጣት ውልቀሰባትን እናገበሩዎ ዝርከቡ ፃዕሪ ንኢደን፡፡

ምብርኻት ስእነት ሰላምን ጎንፂን ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝጎድእ ይኹን እምበር ቀንዲ ተጎዳእቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ኣረጋውያንን ኣብ ኣፀጋሚ ዝርከቡ ዜጋታትን ከምዝኾኑ ኣብሪሀን፡፡

ሓይሊታት ፀረ ሰላም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት እናፈፀሙዎ ዝርከቡ ተግባር እውን ኮኒነን፡፡

ሰላም ህዝቢ ንምህዋኽን ህልውና ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ንምውዳቕን ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ካብ ዝሓዙዎ መገዲ ጥፍኣት ወፂኦም ኣማራፂ ሰላም ንኽኽተሉን ፀገማት ብልዝብ ንኽፍትሑን ሓቲተን፡፡

ፃዕሪ ሰላም ዕዉት ንኽኸውን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግበር ምግላፁ ካብ ሚኒቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዘርረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment