ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ናብ ስልጠና ተሃድሶ ዝኣተዉ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣቀባብላ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ንካልኣይ ዙር ናብ ስልጠና ተሃድሶ ንዝኣተዉ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ መደረ ዘስምዑ ኮሎኔል ኣየለ ጊሳ÷ ኣብቲ ስልጠና ተሃድሶ ዝፍጠረሎኩም ዓቕሚ ናብ ታሕቲ ብምውራድ ኣብ ባይታ ንኽትትግብሩ ትፅቢት ይግበረልኩም።

ክፍተታት እናተጠቐመ ሰላም እቲ ክልል እናስአነ ዝርከብ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምጥፋእ ልዕልነት ሕጊ ንኽኽበር ተግባር ተኮር ስራሕ ምስራሕ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ዝዘልቕ ቆራፅነት ብምርኣይ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ኣብ ሓፂር እዋን ብምፅራግ ሰላም እቲ ክልል ምርግጋፅ ቀንዲ ልኡኽቶ እዚ ጉጅለ ክኀውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ምክትል ሓላፊ ሰላምን ፀፅታን ክልል ኣምሓራ ኣይተ በሪሁን መንግስቱ÷ ዕቤት ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ፀላእቲ ብዝተናወሐ ናይ ሽርሒ ፖለቲካ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ምትእስሳር ብምፍጣር ዝተዋደደ መገዲ ዕረፍቲ ኣልቦ ናይ ፅልኢት ጎስጓስ እናካየዱ ከምዝኾኑ ምግላፆም ሓበሬታ ፖሊስ እቲ ክልል ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment