ፃንሒት ስልጣን ስግግር መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብ2ዓመት ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃንሒት ስልጣን ስግግር መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ንኽናዋሕ ከምዝወሰነ ኮሚሽን ጥምር ተሃድሶ ክትትልን ቁፅፅርን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ተመሓላሊፉ ዘሎ 75 ሚኢታዊ ብዝኾኑ ኣባላት እቲ ኮሚሽን ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ፡፡

ብመሰረት ውሳነ እቲ ኮሚሽን እዋን ስልጣን እቲ ስግግር መንግስቲ መረፃ ቅድሚ ምክያዱ ዘይተፈትሑ ጉዳያ መዕለቢ ንመሃብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ለካቲት 2023 ክሳብ ለካቲት 2025 ተናዊሑ፡፡

እቲ ኮሚሽን እዋን ስልጣን ስግግር መንግስቲ ንክልተ ዓመት ንኽናዋሕ ንምውሳን ዝሐሸ መምርሒ ኣፈታትሓ ጎንፂ ደቡብ ሱዳን ከምዝተኸተለ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment