ፀጋታት ሓድነትናን ብምጥንኻር በዓል ልደት ምኽባር ከምዝግባእ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ)ፀጋታት ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ፍቕርን ሓድነትን ብምጥንኻር ነቲ በዓል ምኽባር ከምዝግባእ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን በዓል ልደት ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መልእኽቱ÷ “ኣብ ልዕሊ ህልውና ኢትዮጵያ ዝተፈተነ ሃገር ናይ ምፍራስ ሽርሒ ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት መኪትና ኢትዮጵያ ሰዓሪት ኮይና ቀፂላ” ኢሉ።

እቲ በዓል ንኢትዮጵያውያ ድርብ ሓጎስ ዝፈጠረ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣብ ደገ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ነቲ በዓል ንምኽባር ብምምፃኦም ክሳድ ፀላእቲ  ኢትዮጵያ ከምዘድፈአ እውን ገሊፁ።

ጉዕዞ ዕቤት ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቀላጥፉ ፃዕርታት ዝግበር ርብርብ ገዛ

ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝኾነ ቤት ምኽሪ  ፌዴሬሽን ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ እውን ኣመላኺቱ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ንኽዋፃእ ኩሉ በቢዝተዋፈረሉ ግድኡ ከበርክት ከምዘለዎ ኣታሓሳሲቡ።

እቲ በዓል ንኢትዮጵያውያን ናይ ብልጽግና፣ ሓጎስን፣ ሰላምን ሓድነትን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ምግላፁ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፆም።

Top of Form

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment