ፀጋታት ሃገርና ብመፅናዕቲን ምርምርን እንተተሓጊዞም ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ንኣፍሪካ ክቕይሩ ይኽእሉ ኢዮም – ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ )”ፀጋታት ሃገርና ብመፅናዕቲን ምርምርን እንተተሓጊዞም ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ንኣፍሪካ ክቕይሩ ይኽእሉ ኢዮም” ክብሉ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ ተዛሪቦም።

ኣብ ኩሎም ሴክተራት ዝሰርሑ ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕቲን መምርሒታት ስነ-ምግባር ዝተኸተሉ ክኾኑ ከምዝግባእ እውን ተገሊፁ።

ስልጠና መዕበዪ ዓቕሚ ስነ-ምግባር ምርምር ኣብ ዝተኻየደሉ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፀጋታት ከምዘለዉ፤ እዞም ፀጋታት ብምፅናዕቲን ምርምርን እንተተሓጊዞም ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ንኣፍሪካ ክቕይሩ ዝኽእሉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

መፅናዕቲን ምርምርን መርህታት ስነ-ምግባር ተኸቲሎም ክስርሑ ብምግባር ኣብ ምዕባለ ሃገር ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment