ፀገም ፀፅታ መተከል ንምፍታሕ ዝሕግዝ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ዘሎ ፀገም ፀፅታ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ክብቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተሳተፉ ይርከቡ።

እቲ ዘተ ሓደ ኣካል ናይ መርሃ ግብሪ ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሰላም መተከል ምምላስ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ንምዝታይ ዓሊሙ ዝተዳለወ መድረኽ ምዃኑ፥ ነቲ መድረኽ ዘተ ብመደረ ዝኸፈቱ ምክትል ቢሮ ሓላፊ ፀፅታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ኣይተ ሙሳ ሃሚድ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ፤ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ንፀገም ፀፅታ ዞባ መተከል ምኽንያት ዝኾኑን መፍትሒኦምን ብዝምልከት ክዝቲዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ንኽለልተ መዓልቲ ዝፅንሕ መድረኽ ዘተ፥ ክልል ቤኒንሻንጉልን ሚኒስቴር ሰላምን ብምትሕብባር ዘዳለዉዎ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment