ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቁፅሪ በረራ ET 612 ዝኾነት ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፀገም ቴክኒክ ስለዘጋጠማ ተመሊሳ ከምዝዓረፈት እቲ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ።
ትማሊ 5 ታህሳስ 2017 ዓ.ም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዱባይ ኣብ ዝግበር በረራ ምስ ተለዓለት ድሕሪ 30 ደቒቕ ፀገም ቴክኒክ ስለዘጋጠማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምላስ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሰላም ክትዓርፍ ክኢላ።
ንጥንቃቐ ተባሂሉ መገደኛታትን ሰራሕተኛታት በረራን ብህፁፅ ካብታ ኣውሮፕላን ክወርዱ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ።
ኩሉ ግዘ ንድሕንነት መገደኛታት ቅድሚት ከምዝህብ ዝገለፀ እቲ መገዲ ኣየር፤ መገኛታት ንዝበፅሖም ምትእጉጓል ይቕሬታ ሓቲቱ።
እቲ ፀገም ቴክኒክ ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብ ኣመልኪቱ።