ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ንምቕራፍ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ይናደዩ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ንምቕራፍ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ይናደዩ ከምዘለዉ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።

ሚኒስትር ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ኣፈፃፅማ መደባት እቲ ሚኒስቴር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪበን።

እተን ሚኒስተር ኣብ ፀብፃበን፥ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ንምቕራፍ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ይናደዩ ከምዘለዉ ሓቢረን።

ብፍላይ ንውልቀ ሴክተር ኩነታት ብምምችቻው፣ እቲ ሴክተር እናሃነጸ፣ ብፅሒቱ እናወሰደ፣ ንዜጋታት ሰብ መንበሪ እናገበረ ንክኸይድ ዘኽእል ስትራቴጂ ከምዝተቐረፀ ኣብሪሀን።

ብምኽኒያት ኲናት ዝተጎድኣ ከተማታት መሊስካ ንምህናፅ በዝተገበረ ፃዕሪ መገዲታት ጋሽናን ኮምቦሊቻን ይፅገኑ ከምዘለዉ ምግላፀን ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment